ባሕርዳር ከነማ ንኢትዮጵያ ቡናን 3 ን 1 ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ባሕርዳር ከነማ ንጋንታ ኢትዮጵያ ቡናን 3 ን 1 ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ፡፡

ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ዝተኻየደ 8ይ ሰሙን ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ÷ ፉኣድ ፈረጃ፣ ፍፁም ጥላሁንን ያሬድ ባየህን ናይ ባህርዳር ሽቶታት እንተዝግቡ፤ ብሕታዊት ሽቶ ኢትዮጵያ ቡና ሮቤል ተክለሚካኤል ኣመዝጊቡዋ፡፡

ጋንታ ባህርዳር ከነማ ምዕዋታ ስዒቡ ንጋንታታት ሃድያ ሆሳዕናን ሃዋሳ ከተማን ብሽቶ በሊፃ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ፡፡

8ይ ሰሙን ፀዋታታት ቀፂሎም ምሸት ሰዓት 1 ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ምስ ጋንታ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ክራኸባ ኢየን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment