ባህሬን ኣብ ትግራይ ዘሎ ምንቅስቓስ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ለካቲት 30 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባህሬን ኣብ ትግራይ ዘሎ መንቅስቓስ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ገሊፃ።

ጄነራል ቆንስል ቤት ፅሕፈት ጀኔራል ቆንስላ ፌዴሪኢ ኣብ ባህሬን ኣምባሳደር ጀማል በክር ምስ ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ዶክተር ሻይካ ራና ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ብምድሃብ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማህበራዊን ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእለ ጉዳይ ዘድሃበ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ ህንፀት ግድብ ህዳሰ፣ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን፣ መሰል ዜጋታትን ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ብዛዕባ ዝጅመር ኣገልግሎት በረራን ብዝምልከት ተላዚቦም።

ኣብቲ ዘተ እቶም ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምንቅስቓስ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment