ባህሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝገልፅ ኩሉ ተጠቃዒ ዝኾነሉ ትካል

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብጉዳይ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ፅዕምቶ ንምፍጣር ቤት ምኽሪ ፀፅታ ተደጋጋሚ ኣኼባ ኣካይዱ ኢዩ።

ኣብቶም ኣኼባታት ዝተፈለየ ድሌት ዘለዎም ሃገራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምውንጃል ሓጥያቱ ኣዕቢዮም እንተቕርቡ፤ ሓቂ ኢትዮጵያ ዝግንዘባ ሃገራት ድማ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ምሕዳግ ከምዝግባእ ብምግላፅ ዝግበር ፅዕንቶ ንምምካን ፈተነ ኣካይደን ኢየን።

ይኹን እምበር ውሕመን ምዕራባውያንን፥ ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ኣብ ኢትዮጵያ እናብፀሖ ዝርከብ ጥፍኣት ብምሽፋን ንመንግስቲ ካብ ምውንጃል ንደሓር ክብሉ ኣይደለዩን።

መንግስቲ ሓይሊታት ወፃኢ ብፍላይ ድማ ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢዶም ዘእትዉ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንኽቀቡ ብተደጋጋሚ እናገንዘበ፣ እናተሓሳሰበን ካብ ሃገር የሰናብትን እምበር ኢድ ናይ ምእታው ድሌት እናወሰኸ መፂኡ ኢዩ።

ብፍላይ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ውሕመ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዶም ብምእታዎም ካብ ሃገር ንኽወፅኡ ምግባሮም ዋና ፀሓፊ እቲ ትካል ሓዊሱ ንመብዛሕተኦም ዘደንገፀን ዘይተፀበዩዎን ብምዃ ዝገብሩዎ ፅዕንቶ ንምውሳኽን ንኢትዮጵያ ብሓሶት ንምውንጃል ዝገብሩዎ ፃዕሪ ንኸጠናኽሩ ገይሩዎም ኢዩ።

ኣብዚ ሰሙን ዝተርኣየ ድማ ኣብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውሕመ ናይ ኢትዮጵያ ሓላፊት ማውሪን አቺንግ ብዝሃበኦ ቃለ-መሕትት ስዒቡ ብሽም ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ከምዝተፀወዓ መርኣያ ኢዩ።

እተን ሓላፊት ኣብ ዝሃበኦ ቃለ መሕትት፥ ትኽክለኛ ምስሊ ግብረ ራዕዲ ኣርኢየን ኢየን ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እተን ሓላፊት ካብ ኢትዮጵያ ከምዝተፀውዓ ዝገልፅ ደብዳበ ከምዝበፅን ፀብፃብ ኤኤፍፒ የመላኽት።

ቀንዲ ምኽንያት እቲ ውሳነ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ብመሓዝ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ብምውፃእ እናተቓለሰ ንዝርከብ ፀሓፊ ጄፍ ፒርስ ቃለ መሕትት ብመሃበን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ቃለ መይትት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝረስሐ ተግባር ከምዝፍፅምን ጭካነ ዝተመልኦ ከምዝኾነን ዕላዊ ገይሩ ኢዩ።

እቲ ምስሊ ህወሓት ናይ ምውፃእ ተግባረን ድማ ንኢትዮጵያ ብሓሶት እናወንጀሉ ንዝርከቡ ሓይሊታት ዝወሓጥ ኣይኮነን።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣንቶንዮ ቪቶሪኖ፥ ማውሪን አቺንግ ዝሃበኦ ርኢቶ ነቲ ትካል ዘይውክል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መምርሒን ክብሪን እቲ ትካል ዝጠሓሰ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።

ባህሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝገልፁ ኩሉ ተጠቃዒ ከምዝኸውን ዘርኢ ውሳነ እናመሓላለፉ ንመምርሒ ንግዛእ ኢና፣ ዘይሻራዊ ኮይንና ክነገልግል ኢና ምባል ዘተዓዛዝብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment