ባህሪታት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ስርዓተ ምግቢ ዘለዎ መስተጋብር ዝምልከት መፅናዕቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ. ሲ)ኢንስቲቲዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ባህሪታት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ስርዓተ ምግቢ ዘለዎ መስተጋብር ዝምልከት ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ መፅናዕቲ ንምግባር ብዕሊ ኣጀሚሩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ መሐከሚ ማእኸል ፃንሒት ኣብ ልዕሊ ዝነበሮም ተሓከምቲ ክትትልን መፅናዕቲን ብምግባር መፍትሒታት ንምቕማጥ ዘኽእል ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ መፅናዕቲ ንምክያድ ተተሊሙ ብምትሕብባር ኢንስቲቲዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ጥዕናን ካልኦት ዝተፈላለዩ መሓዙት ልምዓት ብዕሊ ናብ ሰስራሕ ተኣቲዩ ኣሎ።

ነዚ መፅዕቲ እንተወሓደ ብር 100 ሚሊየን ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ዝእከቡን ዝርከቡን ሓበሬታታት ናብ ተግባር ምልዋጥ ንኽከኣል ኣብቲ እዋን መፅናዕቲ ተዋዲደን ክሰርሓ ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ዶክተር ኤባ አባተ ገሊፆም።

መራሒት እቲ መፅናዕቲ ተማራማሪት ወይዘሮ ሳሮ አብደላህ ብግደአን፥ እቲ መፅናዕቲ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምቁፅፃርን ንምክልኻልን ዓቕሚ ንምዕባይ ካብ ምስርሑ ብተወሳኺ፤ ብብርኪ ሃገር ዝስራሕን ንብዙሓት ዘሳትፍን ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ድጉማ፥ ዓቕሚ ምክልኻል ጥዕና እታ ሃገር ንምዕባይ ዝሕግዙ ስራሕቲ ምርምር ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣገንዚቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣብሎም ብዙሓት መፅናዕቲታት እናተኻየዱ ይኹኑ እምበር እቶም መፅዕቲታት ኣብ ሽተኦም ንምብፃሕ ግን ሕፅረት በጀት ፈተና ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝግበር መፅዕቲ ልዕሊ 20 ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ትካላት ምርምርን ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ምሁራት ከምዝሳተፉ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment