ኣዲስ ኣበባ፣ መስከረም 6፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጌዴኦ ዝርከብ ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ተመዝጊቡ።
ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ዘሎ፥ ኣብ ሪያድ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 45 ጉባኤ ኮሚቴ ሓድጊታት ኢዩ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ብዛዕባ ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦ ዝርዝር መብርሂ ቀሪቡ ዘተ ምስተገበረሉ፥ን ርኢቶ ምስተውሃበሉን ምዝገቡኡ ክፀድቕ ክኢሉ።
እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ባህላዊን ተፈጥሮኣዊን ሓድጊታት ናብ 10 እንተዓቢ÷ ንኣፍሪካ ድማ መበል 100 ብምዃን ከምዝተመዝገበ ካብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ምምዝጋብ እቶም ሓድጊታት ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ናይ ባዕሉ እወንታዊ ግደ ከምዘበርክት ይእመን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com