ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ዘይተፀሓፈ ባህላዊ ሕጊ ማሕበረሰብ ዒሳ “ሄር ኢሴ” ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ንምምዝጋብ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።
ኣቦታት ማሕበረሰብ ኢሳ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሶማሌን ዝተሳተፉሉ ኣብ ባህላዊ ሕጊታት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ተኻይዱ።
ሓላፊት ፋውንዴሽን ሲቲ ሄሪቴጅ ወይዘሮ ኣያን ዓሊ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ባህላዊ መተሃዳደሪ ሕጊ ”ሄር ኢሴ” ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሲቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘበን 44 ኣባላት ምሓበረሰብ ዒሳ ተቐሚጦም ዘፅደቑዎ ኢዩ፡፡
ካብቲ እዋን ጀሚሩ ሓደ ኣካል ህዝቢ ሶማሌ ዝኾነ ማሕበረሰብ ዒሳ ነቲ ሕጊ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብቃል እናተቐባበለ እናተመርሐሉ ከምዝፀንሐ ኣብሪሀን።
እቲ ሕጊ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሶማሌ ላንድን ዝርከቡ ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ዘተኣሳሰረ ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ሓላፊት፥ እቲ ባህላዊ ሕጊ ኢትዮጵያ ንተሃንፆ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እታወት ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፀን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።