ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባህሊ ምክንኻን ተፈጥሮ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ክልመድ ኣለዎ ክብሉ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር÷ ትማሊ ኣብ ዞባ ካፋ ወረዳ ጊምቦ ብምርካብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ዝተተኸሉ ፈልሲታት መሊስካ ምርኣይን ምክንኻንን ናይ ኩሉ ትኹረት ዝጠልብ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ዝትከሉ ፈልሲታት ዝተተኸሉሉ ዕላማ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ዝተተኸሉሉ ዕላማ ክዕወትዝኽእል ህፃናትን እንስሳትን ከም ንከናኸኖ መጠን ፈልሲታት እውን ምክንኻን እንትንክእል ኢዩ ኢሎም።
ህዝቢታት ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ደኒ ናይ ምክንኻን ዝማዕበለ ባህሊ ዘለዎም ህዝቢታት ኢዮም ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ “ደኒ ሓሊዮም ዘፅንሑ ዝረኽቡዎ ረብሓ ስለዝፈልጡ ኢዩ” ብምባል ናእደኦም ገሊፆም።
እቲ ባህሊ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ክልመድ ከምዝግበኦ እውን ኣብሪሆም፡፡
ብተስፋየ ምሬሳ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com