ቢዮንሴ ኣብ ታሪኽ ግራሚ 99 ግዜ ንሽልማት ብምሕራይ ክብረወሰን ሒዛ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕፁያት ሽልማት ግራሚ 2025 ዓ.ም.ፈ ትማሊ ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ፥ ቢዮንሴ ብ11 ዓውዲታት ሕፅይቲ ብምዃን ከምዝቐረበት ተገሊፁ።

ንዓኣ ስዒቦም ብሸውዓተ ዓውዲታት ሕፁያት ኰይኖም ዝቐረቡ ኬንድሪክ ላማር፣ ቻርሊ ኤክሲኤክስን ቢሊ ኣይሊሽን እዮም።

ቢዮንሲ ሐዚ ካብ ዝኾነ ስነ-ጥበባዊ ንላዕሊ ኣብ ግራሚ ንመበል 99 ግዜ ሕፅይቲ ብምዃን ክብረወሰን ክትሕዝ እንከላ፥ ናይቲ ዓውዲ ዝዓበየ ሽልማት’ዩ ዝብሃል ‘ብሉፅ ኣልበም እዚ ዓመት’ ግን ክሳብ ሐዚ ኣይተዓወተትሉን።

ተዓወትቲ መበል 67 ሽልማት ግራሚ 2 ለካቲት 2025 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ክፍለጡ እዮም።

ኣብዚ ብ11 ዓውዲታት ሕፅይቲ ዝዀነት ቢዮንሴ፥ ንበዓል ቤታ ጄይዚ በሊፃቶ ትርከብ።

እቶም መፃምዲ ቅድሚ ሐዚ 88 ግዜ ነዚ ሽልማት ክሕፀዩ እንከለው፥ ሐዚ ቢዮንሴ ካውቦይ ካርተር (Cowboy Carter) ብዝተባህለ ኣልበም ብ11 ዓውዲታት ክትሕፀ ብምኽኣላ ንበዓል ቤታ በሊፃቶ።

ንሳ ብብሉፅ ኣልበ፣፡ ብሉፅ ናይ ሃገረሰብ ሙዚቃ፣ ከምኡ’ውን ‘ቴክሳስ ሆልድ’ም(Texas Hold ‘Em) ብዝተሰመየ ስራሓ ብሉፅ ናይዚ ዓመት ሙዚቃ ብዝብሉ ዓውዲታት ምሕራያ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment