ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ 7 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝዋገኦም ሓገዝ መድሓኒታትን ናውቲታት ሕክምናን ተረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ 7 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝዋገኦም ሓገዝ መድሓኒታትን ናውቲታት ሕክምናን ተረኪቡ።

እቲ ሓገዝ፥ ካብ ቤት ዕዮ ግልጋሎት ስደተኛታትን ተመለስቲ ስደትን (Refugee and Returnee Servic) ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ 7 ነጥቢ 2 ሚልየን ዝዋግኡ መድሓኒታትን ናውቲታት ሕክምናን ንህልዊ ፀገም ጥዕና ንምሕጋዝ ዓሊሙ ዝተወፈየ ሓገዝ ምዃኑ ምክትል ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣይተ ብሩህተስፋ ሙሉጌታ ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ንዝተጎድአ ህዝቢ ክንበፅሓሉ ሓሲብና ዝገበርናዮ እዩ ብምባል፥ ሓገዝና እውን ቀፃሊ ከምዝኸውን ንኣምን ኢሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ርኽክብ፥ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓን ሰብ ሞያን እቲ ቢሮ ተረኺቦም።

ዶክተር ኣማኑኤል፥ እቲ ትካል ንዝገበሮ ሓገዝ ምምስጋኖም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment