ቢሮ ትራንስፖርትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ንተመዛበልትን ልዕሊ ብር 44 ሚሊየን ድጋፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቢሮ ትራንስፖርትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብምኽንያት ኲናት ንዝተመዛበሉ ወገናትን ልዕሊ ብር 44 ሚሊየን ብዓይነትን ብገንዘብን ኣብ ግምባር ደሴ ተረኺቦም ድጋፍም ኣበርኪቶም።

ናይ መግቢ፣ ክዳውንቲ፣ መሐለዊ ፅርየት፣ መግቢ ቆልዑን ካልኦት ኣድለይቲ ናውትታት ዘማልአ ብዓይነትን ብገንዘብን ድጋፍ ተገይሩ።

ኣብቲ ርኽክብ ድጋፍ ዝተረኸቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ሓላፊ ምምሕዳር ቢሮ ትራንስፖርት ኣይተ ኣካሉ ኣሰፋ ከምዝተዛረብዎ፤ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ወገናት ዘብፅሖ ፀገም ንምፍታሕ ኣመራርሓታትን ስራሕተኛታትን እቲ ቢሮን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኩለመዳይ ድጋፍ ብምግባር ናይ ኩሉ ግደ እናተዋፀአ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣመራርሓታትን ስራሕተኛታትን እቲ ቢሮን ትካል ተፀዋዕን ገንዘብ ብምውፃእ፣ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ብምሃብ፣ ክዳውንትን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት መግብን መግቢ ተንከፍ ብምግዛእ ብድምር ብር 44 ሚሊየንን 75 ሽሕን359 ዝኣክል ድጋፍ ምግባሮም ገሊፆም።

ወሲኾም ድማ፤ ይግበር ካብ ዘሎ ናይ ገንዘብ፣ ጉልበትን መሰል ድጋፍን ብተወሳኺ ፀላኢ ንምድምሳስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሰራሕተኛታትና ናብ ግምባር ብምውፋር  መስዋእትንተ ንምኽፋል ምስላፎም ኣፍሊጦም።

እቲ ድጋፍ  ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኣመራርሓታት ምምሕዳር ቢሮ ትራንስፖርትን ትካላት ተፀዋዕትን ኣብ ግምባር ደሴ ርክክብ ምግባሮም ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment