ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ተምሃሮ ኣብ መንበሪኦም ኮይኖም ብቴሌቪዥን ንክመሃሩ ዘኽእል ምድላው ከምዝገበረ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተምሃሮ ኣብ መንበሪኦም ኮይኖም ብቴሌቪዥን ንክመሃሩ ዘኽእል ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣዲሱ ሻንቆ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ እቲ ፈነወ ኣብ ቴሌቪዥን ኣፍሪ ሄልዝ 7 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ብብርኪ ፈተነ ክጅምር ኢዩ።

ነዚ ዝኸውን ቅድመ ምድላው መምህራን ከምዝተዛዘመ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ተምሃሮ ብኤፍ ኤም 94 ነጥቢ 7 ከምኡ እውን ብቴሌቪዥን ኣፍሪ ሄልዝ ዝፍነዉ ፕሮግራማት ትምህርቲ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክከታተሉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment