ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምርመራ ፍሮንሲክ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ንምግባር ዝሕግዝ ዕድጊት መሳርሒ መመርመሪ ሞባይል (celebrate Machine) ፈፂሙ።
እቲ ካብ እስራኤል ዝተዓደገ መመርመሪ መሳርሒ፥ 110 ሺሕ 600 ዶላር ወፃኢ ከምዝተገበረን ናብ ስራሕ ንምእታው ንሰብ ሞያ ስልጠና እናተውሃበ ከምዝርከብን ተገሊፁ፡፡
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ዘላለም መንግስቴ፥ ዓውዲ ስራሕ ብዝበለፀ ንምውዳብ ብዙሕ ገንዘብ ወፃኢ ተገይሩሉ ዝተዓደገ ስለዝኾነ ሰባ ሞያ ብግቡእ ኣብ ረብሃ ንኸውዕሉዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ሓላፊ ዲቪዥን ምርመራ ገበናት መርበብ ሓበሬታ ምክትል ኢንስፔክተር ዳኜ ነጋሽ ብግደኦም፥ እቲ መሳርሒ ዘበናዊነት ዝተላበሰን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለም ብዘበናዊ መገዲ ዝጥቀመሉ ከምዝኾነን ዝኾነ ይኹን ሞባይል ንምምርማር ዘኽእልን ኢዩ ኢሎም፡፡
እቲ ቢሮ ምርመራ ኣብ ዝቕፅል እዋን እውን ዲጂታል ምርመራ ፍሮንሲክ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ንምግባር ዝተፈላለዩ ዘበናዊ መመርመሪ መሳርሒታት ናብ ስራሕ ንምእታው እናሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።