ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ምስ ፕሮግራም ኢፋድ ብምትሕብባር ዝሰርሖ ፕሮጀክት ምእላይ ሩባ ንተጠቀምቲ ሓረስቶት ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ማይን ኢነርጅን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ፕሮግራም ኢፋድ ብምትሕብባር ብልዕሊ ብር 14 ሚልዮን ዝሰርሖ ፕሮጀክት ምእላይ ሩባ ንተጠቀምቲ ሓረስቶት ሳይት ኣረኪቡ።

እቲ ርኽክብ ዝተፈፀመ ኣብ ወረዳ ናዕዴር ጣብያ ላዕላይ ሕዱግ እንትኸውን÷ ሓረስቶት ዝጥቀምሉ ሓጋይን ክረምትን ዝፈስስ ማይ ብምእላይ ብመትረብ ናብ ተሓራሲ መሬት ንምውዓል ዝተሰርሐ ፕሮጀክት ሩባ እዩ።

ን130 መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ዝገብር ልዕሊ 25 ሄክታር መሬት ንከልምዕ ተሓሳቢ ተገይሩ ዝተሰርሐ እቲ ፕሮጀክት÷ 2 ነጥቢ 1 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት መትረብ ከምዝኾነን 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ሙሉእ ብሙሉእ ህንፀቱ ብምዝዛም ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመረን ሓበሬታ ቤትፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምኽዳር ክልል ትግራይ የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment