“ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን” 200 ሚሊየን ብር ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ለጊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን” ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዘኽእል 200 ሚሊየን ብር ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝለገሰ ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣፍሊጦም።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዝሕግዝን ኣብ ህዝቢ ዘብፅሖ ፅዕንቶ ዝቕንስን ኢዩ ክብሉ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ፅሒፎም።

ስለዝኾነ እቲ ሓገዝ ኣብ ኣድላዪ እዋን ብምብርካቱ  ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን ቅኑዕ ወገን ህዝቢ ምኸኑ ኣመስኪሩ ኣሎ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment