ኣዲስ ኣበባ፣ ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በጀት 2016 ዓ.ም ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ 221 ነጥቢ 517 ቢሊየን ብር ብምዃን ፀዲቑ።
ጨፌ ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ኣዳማ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ ስሩዕ ጉባኤ÷ ንበጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ዝቐረበ 221 ቢሊየን 517 ሚሊየን 956 ሺሕን 655 ብር በጀት ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡
ካብ ዝቐረበ በጀት ንወረዳን ንከተማታትን ወፃኢ ዝኸውን 137 ነጥቢ 8 ቢሊየን፣ ንክልል ወፃኢ 83 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር፣ ንካፒታል ወፃኢ እቲ ክልል 54 ነጥቢ 25 ቢሊየን ብር ከምኡ እውን ንመተሓላለዊ 600 ሚሊየን ብር በጀት ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ፡፡
ን2016 ዝተትሓዘ በጀት ምስ ዝሓለፈ በጀት ዓመት እንትነፃፀር 62 ነጥቢ 88 ቢሊየን ብር ሓለፋ ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ጨፌ ኦሮሚያ ኣብ ጉባኤኡ ንበጀት ዓመት 2015 ዝቐረበ ተወሳኺ 13 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር በጀት ኣፅዲቑ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com