በዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ) እንታይ እዩ? ከመይ ክንከላኸሎ ኸ ንኽእል?

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪካ ዝረአ ዘሎ ለበዳ በዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ – ‘mpox’) ዓለማዊ ቆላሕታ ዝጠልብ ህፁፅ ስግኣት ጥዕና ክብል ምእዋጁ ይዝከር።

ቫይረስ እቲ ሕማም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ብቕልጡፍ ይላባዕ ከምዘሎ፤ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝተራእየ ዓሌት እቲ ቫይረስ ዝኸፍአ ምዃኑን ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ሕማም ኣብ ክፋል ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ክርአ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ኣብዚ ዓመት ግን ብውሑዱ ኣብ 16 ሃገራት ኣፍሪካ ብብዝሒ ይርአ ኣሎ።

ብመሰረት ማእኸል ምክልኻል ሕማማት ሕብረት ኣፍሪካ፥ ካብ 2022 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ካብ 15 ሃገራት ኣፍሪካ 37 ሺሕን 583 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተለኽፉን 1 ሺሕን 451 ሞት ከምዝተመዝገበን ተፈሊጡ ኣሎ።

መብዛሕትኦም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉን ዝሞቱን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ እዮም።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 8 ሺሕ ሰባት በቲ ሕማም ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ለበዳ ብውሕዱ 450 ሰባት ቀቲሉ።

ሐዚ ድማ ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪካ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ስለዝኾነ ተለዋዋጢ ዓይነታት እቲ ሕማም ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ምህላዉን ብሰንኩ ዘጋጥም ልዑል መጠን ሞትን ንተመራመርቲ ከምዘሻቐሎም ተገሊፁ።

በዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ) እንታይ እዩ?

ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፥ በዲዶ-ህበይ ቅድሚ ሐዚ ሞንኪፖክስ ብዝብል ይፍለጥ ነይሩ። ምስ ‘ስሞልፖክስ’ ዝመሳሰል ግን ከኣ ትሑት ክብደት ዘለዎ ብቫይረስ ዝመሓለፍ ሕማም እዩ።

ከም ሰዓል፣ ሕማም ርእሲ፣ ቃንዛ ጭዋዳታት ከምኡ’ውን ካብ ገፅ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣካላት ዝዝርጋሕ ዕንፍሩር ዝኣመሰሉ ምልክታት የስዕብ።

በዲዶ-ህበይ ኣብ መንጐ ሰብ ምስ ሰብ ብዝህሉ ርክብ ዝመሓላለፍ እንትኸውን፥ ብመርመራታት ላቦራቶሪ ቁስሊ ቆርበት ይረጋገፅ።

ብዓቢኡ ክልተ ዓይነታት ቫይረስ በዲዶ-ህበይ ኣለዉ። “ኤምፒቪኤክ ክለድ 2ቢ” ከምኡ’ውን “ኤምፒኤክቪ ክለድ 1” ብዝብል ይፍለጡ።

ኣብ 2022 ዘጋጠመ ዓለማዊ ለበዳ ብሰንኪ እቲ “ኤምፒቪኤክ ክለድ 2ቢ” ዝበሃል ዓይነት ዝተበገሰ እዩ ነይሩ። እቲ ሐዚ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ዝተረኣየ ግን ኣዝዩ ተላባዕን ሓደገኛን “ኤምፒኤክቪ ክለድ 1” ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይገልፁ።

ብድሆታት ኣብ ምምካት በዲዶ-ህበይ

መልከፍቲ በዲዶ-ህበይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ብፍላይ ኣብታ ኣብ ደቡብ-ኪቩ እትርከብ ናይ ዕደና ማእኸል ዝኾነት ከተማ ካሚቱጋ እዩ ብስፍሓት ተራእዩ።

እቲ ከባቢ በዝሒ ዋሕዚ ነጋዶ፣ ኢደ ጥበበኛታት፣ ክኢላታት ዕደናን ካልኦት ነጋዶን ዝረኣየሉ እዩ።

ኣብ ካሚቱጋ ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ ማእኸል ሕክምና በዲዶ-ህበይ ክሰርሕ ዝፀንሐ ዶክተር ስቲቨን ቢለሞ ኪትዋንዳ፥ “እቲ ሕማም ክላባዕ ዝገብር ዘሎ ብከላ ፆታዊ-ርክብ እዩ። ናብዚ [ኣብ ካሚቱጋ] ዝመፅእ ህዝቢ ድማ ናይ ምጥንቃቕ ልምዱ ድኹም እዩ። ናብ ጎማ፣ ሩዋንዳ – ጊሰኒ፣ ቡጁምቡራን ካልእን ከኣ ይንቀሳቐሱ” ይብል።

ካሚቱጋ ንጡፍ ለይታዊ ህይወት [ውዕዉዕ እንዳ መስተ ወይ ለይታዊ ተልሂት] ዘለዋ ንግዳዊት ማእኸል እንትኸውን፥ ብባራት ዝመልአትን ሰራሕተኛታት ፆታዊ ርክብ ብብዝሒ ዝርከባላን እያ።

ዶክተር ኪትዋንዳ ከም ዝበሎ እቶም ቀዳሞት ተርእዮታት ኣብቶም ናብቲ ንግዲ ፆታዊ ርክብ ዝካየደሉ ከባቢታት ብተደጋጋሚ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዕደና ዝተመዝገበ ብምንባሩ ገለ ኣባላት ማሕበረሰብ እቲ ሕማም “ዘይእሩም ስነ-ምግባር” ንምቕፃዕ ካብ ኣምላኽ ዝመፅአ “መለኮታዊ መርገም” ምዃኑ ክኣምኑ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ፥ በዲዶ-ህበይ ማለት ሕማም ሓላፍነት ዘይስምዖም ወይ ግብረ-ፍኑዋት ተባሂሉ እዩ ዝግለፅ። ከም ዘሕፍር ሕማም ድማ ይቝፀር።

እዚ ምግላል ከኣ ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ንኸይደልዩ ዝግድብ ብምዃኑ ከይተፈለጠ ንኽመሓላለፍ ይገብር።

እቲ ቫይረስ ብዙሕ ከይተፈለጠ ብፍላይ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ፋይቶት ፆታዊ ርክብ ኣብ ዝፍፅሙ ደቂተባዕትዮ እዩ ዝላባዕ ዘሎ።

“ኣብ ካሚቱጋ እከሊት ሰበይቲ እከለ ወይ እከለ ሰብኣይ እከሊት ዝበሃል የለን። ዝኾነ ሰብ ምስ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ክራኸብ ይኽእል እዩ፤ እቲ ሰብ ገንዘብ እንተሃልይዎ” ይብል ዶክተር ኪታዋንዳ።

ብዙሓት በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ውልቀሰባት እውን ኤች ኣይ ቪ ዘለዎም ስለዝኾኑ እዚ ድማ ነቲ ረኽሲ ከጋድዶ ይኽእል።

ሰብመዚ እታ ሃገር ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብፍላይ ኣብ ገጠር ከባብታት ነቲ ቫይረስ ንምክትታል ይፅገሙ እዮም ዘለው።

እንታይ ክግበር ይከኣል?

ከም ህዝባዊ ርክባት፣ መርመራ፣ ሕክምና፣ ክትትል ምትንኻፍ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝበሉ መሰረታውያን ስጕምትታት ጥዕና ኣብ ምምካት በዲዶ-ህበይ ኣገደስቲ እዮም።

ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ኣተሓባባሪ መፅናዕቲ በዲዶ-ህበይ ሊያንድረ ሙሩላ ማሲሪካ፥ ፅዑቕ ምንቅስቓስ ዝግበረሎም ዶባት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ምክልኻል እቲ ሕማም ምዃኑ ይዛረብ።

“ኣብ ዶባት ዝኾነ ቍፅፅር የለን። ካሚቱጋ ክልተ ዶባት ዘለዋ ኮይና ሰባት ካብዚ ናብ ሩዋንዳን ብሩንዲን ይግዕዙ” ይብል።

እቲ ቫይረስ ካብ 4 ክሳብ 20 መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ ዝምዕብል ኰይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ቍስሊ ኣብ ከባቢ ብልዕቲ ጥራይ እዩ ዝረአ። እዚ ንምርኣዩ ኣፀጋሚ ስለዝገብሮ ኣብ ዶብ ምርመራ ምክያድ ወሳኒ ምዃኑ ማሲሪካ ይዛረብ።

ሐዚ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ዘሎ ኵነታት ብደረጃ ማሕበረሰብ ዝርአ ምልባዕ እዩ። ነፍሰፆር ኣደታትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናትን ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም።

ኣብታ ሃገር ሓደስቲ ዝተወልዱ ህፃናት ሓዊሱ ብዙሓት ህፃናት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ። ኣብ ገለ ነፍሰፆራት እውን ምውራድ ጥንሲ ተራእዩ። ገለ ሕሙማት ከኣ ኣብ ኣዒንቶም፣ ቆርበቶምን ብልዕቶምን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ፀገማት ኣጋጢምዎም።

ህፁፅ ፃውዒት ክታበት

እቲ ቫይረስ እናተዘርግሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ክኢላታት ጥዕና ኵለመዳያዊ ወፍሪ ክታበት ክካየድ ይፅውዑ ኣለዉ።

ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐን ደቡብ ኣፍሪካን ክታበት ናይ ምርካብ መስርሕ ክጅምራ እንከለዋ ክሳብ ሐዚ ዝኾነ ክታበት ኣይበፅሐን ዘሎ።

ኣመሪካን ጃፓንን ክታበት ከም ዝህባ ቃል ኣትየን እኳ እንተነበራ ገና ኣብ ትፅቢት ይርከብ።

“እቲ ክታበት የለን፤ ሰባት ግን ይሞቱ ኣለዉ” ይብል ተመራማሪ በዲዶ-ህበይ ማሲሪካ።

ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ክልተ ዓይነት ክታበት ክትጥቀም መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ ነይራ። ሃገራዊ በዓል መዚ ቍፅፅር ነቶም ክታበታት ክግምግሞም ጀሚሩ’ኳ እንተሎ ክሳብ ሐዚ ግን ኣብ ጥቕሚ ኣይወዓለን።

ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ሓላፊት ህፁፅ ምላሽ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ፊዮና ብራካ፥ ትካላ ምክትታል ንምሕያልን ኣገባብ ዝርግሐ ሓበሬታ ንምምሕያሽን ኣብ መንጐ ሃገራት ፃዕርታት የሐይል ከምዘሎ ትዛረብ።

Comments (0)
Add Comment