በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር) ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር) ብምኽኒያት ዘጋጠሞም ሕማም ክትትል ሕክምና ክገብሩ ድሕሪ ምፅናሕ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣብ ኢትዮዽያ ሃናፂ ባህሊ ፖለቲካ ንምፍጣር ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ መርኣያ ሰለማዊ ቃልሲ ፖለቲካ ኢዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንውሕ ንዝበለ እዋን ክትትል ሕክምና እናገበሩ ድሕሪ ምፅናሕ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም እንትሰምዕ ካብ ልቢ ሓዚነ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእቶም፥ ዘፅንሕዎ ውርስን ቅርስን ፀኒዑ ንክቕፅል ነብሶም ብሰላም ንክትዓርፍ እምነ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment