በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር) ምልክት ሰላማዊ ቃልሲ ፖለቲካ ነይሮም – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ሃናፂ ባህሊ ፖለቲካ ንምፍጣር ልዑል ኣስተዋፅ ዘበርከቱ ምልክት ሰላማዊ ቃልሲ ፖለቲካ ከምዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር) ብምሕንያት ዝሓደሮም ሕማም ሓገዝ ሕክምና እንተገበረሎም ድሕሪ ምፅናሕ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን÷ “ዘፅንሑዎ ውርሲን ሓድጊን ፀኒዑ ንኽቕፅል ነብሶም እውን ብሰላም ንኽትዓርፍ ይምነ” ኢሎም።

በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር)÷ 4 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ምክትል ዋና መካየዲ ስራሕ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ብምዃን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ተሾይሞም እናገልገሉ ምፅነሖም ይዝከር፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ምንቅስቓስ እናገበሩ ካብ ሞንጎ ዝፀንሑ ፍሉጣት ሰባት ሓደ ከምዝኾኑ ዝንገረሎም በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር)÷ ኣቦ መንበር ተናሓናሒ ፓርቲ ዝኾነ ሶሻል ዴሞክራሲ ፓርቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ከምዘገልገሉ እውን ይፈፍለጥ፡፡

ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ብኣባልነት ናይ ዝሓዘ ፓርቲ መድረኽ እውን ብኣቦ መንበርነት ዘገልገሉ እንትኾኑ÷ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ እውን ብመምህርነት ከምኡ እውን ሚኒስትር ዴኤታ ትምህቲ ኮይኖም ምግልጋሎም ይዝከር፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment