“በዓል ፋሲካ እንትነኽብር ሓድነትና ብምጥንኻርን ንኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ብምስራሕን ክኸውን ኣለዎ”-ኣቦታት ሃይማኖት  

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “በዓል ፋሲካ እንትነኽብር ሓድነትና ብምጥንኻርን ንኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ብምስራሕን ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም።

እቶም ኣቦታት ሃይማኖት፥ በዓል ፋሲካ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጥያት ደቂ ሰባት ዝተሰረየሉ፣ ፍቕሪ ዝተረኸበሉ ከምኡውን ድሕነት ዝተረኸበሉ ኢዩ ኢሎም።

እቲ በዓል ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናት ብምድጋፍን ብምክንኻንን ምሕላፍ ከምዝግባእ እቶም ኣቦታት ሃይማኖት  ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኢትዮጵዩ ዝረኣዩ ዘለዉ ምንጋዕ ሰላም ዋጋ የኽፍሉ ኣለዉ፤ ስለዝኾነ ህፁፅ መፍትሒ ክግበረሉ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ህዝበ ክርስቲያን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰላም ንክነግስ ፃዕሩ ንከጠናኽር ሓቲቶም ክብል ኢቢሲ ብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment