በዓል ፊቼ ጫምባላላ ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

በዓል ፊቼ ጫምባላላ ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ፊቼ ጫምባላላ 19 መዓቢት 2017 ዓ.ም ኣብ ሶሬሳ ጉዱማሌ ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ባህሊ፣ ቱሪዝምን ስፖርትን ክልል ሲዳማ ጃጎ ኣገኘሁ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ በዓል ኣብ ዩኔስኮ ብደቂ ሰባት ወካሊ ዘይድህሰስ ቅርሲባህሊ ካብ ዝምዝገብረ 10 ዓመት ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ሎሚ ዘበን ብፍሉይ ኩነታት ከምዝኽበር ድማ ገሊፆም።

እቲ በዓል ሓዱሽ ዘበን ብሄር ሲዳማ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ገዚፍ ትርጉም ዘለዎ መግለፂ ማንነት ከምኾነ ኣብሪሆም።

ብጥላሁን ይልማ

Comments (0)
Add Comment