በዓል ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብሩ ብተወሳኺ መስሕብ ቱሪዝም ዓለም ኮይኑ ኣሎ-ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ

ኣዲስ አበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብሩ ብተወሳኺ መስሕብ ቱሪዝም ዓለም ኮይኑ ኣሎ ከብሉ ሚኒስትር ባህልን ስፖርቲን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ጃን ሜዳ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ብምርካብ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ እየሱስ ክርስቶስ ብትሕትና ንባዕሉ ትሕት ኣቢሉ ብኣገልጋሊኡ መጥምቀ የውሃንስ ኢድ ምጥማቑ ወዲ ሰብ ንባዕሉ ዘሐድሰሉ፣ ንባዕሉ ዝልውጠሉን ዘድሕነሉን መገዲ ንከናዲ ኣብነት ኢዩ ኢሎም።

ኣቕሽቲ ተሸኪሞም ናብ ጥምቀተ ባህር ዝወስድዎምን ናብ ኣድባራት ዝምልስዎምን ታቦታት ኣይትቕተል፣ ኣይትስረቕ፣ ምዕባይካ ኣኽብርን ንሰባት ከም ባዕልኻ ኣኽብርን ካልኦትን ዝብሉ እወንታዊ መልእኽቲታት ዝሓዙ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብ ኩሎም ሃይማኖታት ዝርከቡ ዝረብሑ መልእኽቲታትን ኣስምህሮታትን ንእወንታዊ ስራሕ ክንጥቀመሎም ከምዝግባእ ገሊፆም።

ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ ናፃ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ሃይማኖት ንፖለቲካ ምጥቃም ኣግባብነት ከምዘይብሉ ሓቢሮም።

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment