በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ብምምዝጋቡ እንኳዕ ደስ በለና-ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ብምምዝጋቡ እንኳዕ ደስ በለና ክብሉ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ገሊፆም።

በዓል ጥምቀተ ክርስቶስ ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት(ዩኔስኮ) ምምዝጋቡ ስዒቡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርቲያን ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ታሕጓስ ሂባ።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ “ኣዝዩ ተፈታዊ በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ብምምዝጋቡ እንኳዕ ደስ በለና” ኢሎም።

ኣብ መላእ እዛ ሃገር ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ በቢዓመቱ 11 ጥሪ ዝኽበር በዓል ጥምቀት፥ ሰዓቢ እምነት ኦርቶዶክስ ብሓባር ብምዃን ብሰላም፣ ብስምምዕነትን ፍቕሪን ታቦቱ ብምዕጃብ እግዚኣብሄር እናመስገነ ኣብ ወሓዝቲ ሩባታት፣ ኣደባባያትን መገዲታትን ፍፁማዊ ብዝኾነ ደስታ ዘኽብሮ በዓል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርቲያን ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ፣ ሊቃውንቲ፣ ምሁራንን ምእመናንን እቲ በዓል ኣብ ዩኔስኮ ንክምዝገብ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበሩ ከምዝፀንሑ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣዘኻኺሮም።

“ስለዝኾነ እቲ ፃዕሪ ብፍቓድ እግዚኣብሄር ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ብምዃኑ ዝተሰመዐና ታሕጓስ ወሰን ኣይብሉን” ኢሎም።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፥ ንኢትዮጵያ ዝለዓለ ስራሕ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ ብምርካብ ሽልማት ዝረኸብሉ ሰሙን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሽልማት ኖቤል ሰላም ብምርካብ ናብ ቤተ መነግስቶም ኣብ ዝኣተዉሉ መዓልቲ በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ምምዝጋቡ ዕላዊ ምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ድማ ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment