በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ማይጨው ብድምቀት ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ብብርኪ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ ማይጨው ብድምቀት ክኽበር ኢዩ።

በዓል ጥምቀት ብብርኪ ክልል በቢ ዓመቱ ኣብታ ከተማ እንትኽበር ካብ ትፈላለዩ ከባቢታት ኣጋእሽ ብምምፃእ መንእሰይ ራያ ብሁራ፣ ዓበይቲ ኣንስቲ ገዳኣማኖ፣ ስነ-ስርዓተ ዝማረ ካህናትን ካልኦት ባህላዊ ስነ-ስርዓትን ኣዝዩ ብዝደመቐ ዝኽበረላ ኢያ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ ዘበን እውን እታ ከተማ ዝያዳ ወቂባን ማዕሪጋን ኣጋይሻ ንምቕባል ኣብ ምድላዋት ኣላ።

ንድምቅት እቲ በዓል ባዛርን ኢግዝብሽንን፣ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን፥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፅኡ ኣጋይሻ እውን ኣብ ምቕባል ትርከብ።

በዓል ከኽብሩ ንዝመፅኡ ኣጋይሽ ብሓልዮትን ልግስን ንምቕባል ተዳልዮም ከምዘለዉ ድማ ወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልጋሎት እታ ከተማ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment