በዓል ጥምቀት ኣብ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን  ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርኣታት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን  ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርኣታት ኣብ ልደታ ማሪያም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተኸቢሩ።

እቲ ብዓል ብቅዳሰ፣ ፀሎትን ዝማሬንዝተኸበረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ቦታ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሰዓብቲ እቲ እምነትን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ሊቀ ጳጳስ እታ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን  ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌልእቲ በዓል እንትነኽብር ባዕልና ንባዕልና ተኸባቢርና፣ ተፋቲናን ሓድነት ፈጢርናን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ምእመናን እቲ በዓል እንተኽብሩ እወንታዊ ስራሕ ብምስራሕን ብምክብባርን ክኸውን ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

Comments (0)
Add Comment