በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብድምቀት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ብድምቀት ተኸቢሩ።

ኣብ ጃን ሜዳ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ዝተረኸቡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን  ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥በዓል ጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ባሕሪ ዮርዳኖስ ዝተጠመቐሉ ዕለት ንምኽባር ዝግበር በዓል ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሰሙነ ጥምቀት ኣስተርእዮ ወይ እግዚኣንሄር ሓደ ውላዱ ብምሃብ ወዲ ሰብ ንምድሓን ዝገለፀሉ ሰሙን ብምዃን ብሰዓብቲ እቲ እምነት ከምዝኽበር ገሊፆም።

እግዚኣንሄር ሓደ ውላዱ ንዓለም እንትገልፅ ብፍፁም ርህራሀ፣ ካብ ሓጥያትን በደልን ብምርሓቕ ብሃይማኖታዊን እወንታዊ ስራሕቲን ንክንነብርን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን ፈጣሪን ምሕረት ንክህሉ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እንበር ትእዛዝ ፈጣሪ ብምጥሓስ ብክፍኣትን ስስዐን ተንቀሳቒስና ኢና፤ ስለዝኾነ ብንስሃ፣ ይቕረ ይቕረን ዕርቀ ሰላምን ኩሉ ናብ ዝነበሮ ምምላስ የድሊ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment