በዓል ዳሜራ መስቀል ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብድምቀትን ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብዝሓለወን መልክዑ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ምምሕዳር ከተማ ኣዲ ኣበባ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዳሜራ መስቀል ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብድምቀትን ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብዝሓለወን መልክዑ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ምምሕዳር ከተማ ኣዲ ኣበባ ገሊፁ።

እቲ ምምሕዳር በዓል መስቀል ብሰላም ምዝዛሙ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ በዓል ዳሜራ መስቀል ኣብ 2 ሺሕን 200 ቦታታት እታ ከተማ ብሰላም ከምዝተኸበረ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል÷ ኩሉ ነባሪ እታ ከተማ “ሓበራዊ በዓልናን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዘፋለጠን ኢዩ” ብምባል ካብ ሃይማኖታዊ ስነስርዓቱ ብተወሳኺ መግለፂ ፅቡቕ ምስሊ ኢትዮጵያን ደላዪ ሰላምን ምዃኑ ብተግባር ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

“ነበርቲ እታ ከተማ ብሓድነት ንበዓል ዳሜራ ዘድሊ ኩሉ ብምስንዳእ ከባቢኡ ብምድማቕ ዝነኣድ ኢትዮጵያዊ ክብሪ ጎሊሁ ንኽወፅን ኣዲስ ኣበባ ተምሳሌት ህብረ ብሄራዊነትን ምትሕብባርን ከምዝኾነት ኣርእዩ ኢዩ” ኢሉ እቲ ምምሕዳር፡፡

ሓይሊታት ፀረ ሰላም ሃዋህው እቲ በዓል ንምብልሻው ምስሊ ሃገር ንምብልሻው ናይ ሞት ሕየት ፃዕሪ ዝገበሩሉን ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ራዕዲ ንምግባር ብዙሕ ሃፍቲ ኣፍሲሶም ሓይሊ ሰብ ኣዋፊሮም ቅድሚ እቲ በዓል እናተሰናድኡሉ ዝነበሩ ናይ ግብረ ራዕዲ ትልሞም ብህዝቢን ሓይሊታት ፀፅታን ምትሕብባር ትምኒቶም ሕልሚ ኮይኑ ከምዝተረፈ ገሊፁ እቲ መግለፂ፡፡

ብምዃኑ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ኣቃሊዑ ብመሃብ ብዙሓት ተለኣኣኽቲን ንተግባር ግብረ ራዕዲ ክውዕሉ ዝተሰናድኡ መሳርሒታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ምምሕዳር÷ በዓል ዳሜራ መስቀል ኣብ ኣደባባይ መስቀልን ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ብድምቀትን ብሰላማዊ መገዲን ሃይማኖታዊ ክብሩ ሓሊዩ ንኽኽበር ኣስተዋፅኦ ንዘዘበርከቱ ኣካላት ኣመስጊኑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም http://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment