በዓል ዳሜራ መስቀል ብድምቀት ንኽኽበር ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዳሜራ መስቀል 2017 ዓ.ም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ብድምቀት ንምኽባር ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ጥሙር ሓይሊ ፀፅታ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጡ ብዙሓት መርሃ ግብሪታት ብዘይ ፀገም ፀፀታ ከምዝተኸበሩ ዘዘኻኸረ እቲ ጥሙር ሓይሊ ፀፅታ፤ እቶም ፍፃመታት ብሰላም ንኽዛዘሙ ሓይሊ ፀፅታ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝሰርሐ ተሓቢሩ፡፡

በዓል ዳሜራ መስቀል እዚ ዓመት እውን ብድምቀት ተኸቢሩ ንኸሓልፍ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብምግባር ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ  ሓበሬታ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ የመላኽት፡፡

ኣካላት ፀፅታ ብዛዕባ ዝውግኑዎም ተግባራት ጠሚቱ ኣብ ዝተሰናደአ ዘተ ትልሚ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኣብ ፖሊስ ፌደራል ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል መላኩ ፋንታ÷ እቲ ጥሙር ሓይሊ ፀፅታ በዓላት ብድምቀት ንኽኽበሩ ምስ ኣቦታት ሃይማኖትን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ብግደኦም÷ እቲ በዓሉ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ሓሊዩ ብድምቀት ንኽኽበር ንጥሙር ሓይሊ ፀፅታ ኣብ ምድጋፍ ሕብረተሰብ ምትሕብባር ንኽገብር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ሓላፊት ቢሮ ሰላም ፀፅታን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ሊዲያ ግርማ÷ ሕብረተሰብ እቲ በዓል ናብ ዝኽበረሉ ቦታ እንትመፅእ ምስቲ በዓል ርክብ ዘይብሎም ነገራት ሒዝካ ምምፃእ ዝተኸልከለ ምዃኑ ብምግንዛብ ንስራሕቲ ሓይሊታት ፀፅታ ተሓባባሪ ንኽኸውን ኣገንዚበን።

Comments (0)
Add Comment