በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ከይተበረዘ ብፍሉይ ድምቀትን ንምኽባር ምድላዋት ይግበር ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነሓሰ 24 ዝኽበር በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ከይተበረዘ ብፍሉይ ድምቀትን ንምኽባር ምድላዋት እናተወገነ ምዃኑ ተሓቢሩ

እቲ በዓል÷መሰረት ስልጣነን ሰርዓት ሃይማኖትን ኣብ ዝኾነት ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣኽሱም፤ ብመንፈሳዊ ምስጋናን ብያሬዳዊ መዝሙርን ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትውፊታቱ ኸይተበረዘ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተዓጅቡ ብፍሉይ ድምቀትን ከምዝኽበር ኢዩ ተገሊፁ ዘሎ።

በዓል ዓይኒ ዋሪ እዚ ዓመት ኣብ ከተማ ኣክሱምን ከባቢኣን ዕለተ 24 ነሓሰ “ክብርታት ዓይኒ ዋሪ ንኽብሪ ደቂ ዓይኒ ዋሪን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብድምቀት ክኽበር እዩ።

መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣኽሱም ተፀጊኑ ግልጋሎት ብምጅማሩ÷ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፁ ኣጋይሽ ከይተንገላትዑ ብቀጥታ ዝመፅሉ ብምዃኑ ብፍሉይ ድምቀት ክኽበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ሓበሬታ ርክብ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም የመላኽት።

Comments (0)
Add Comment