በዓል ዓወት ዓድዋ ኩልና ንኾርዐሉ ሓበራዊ ዓወት ኢዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት ፣ 2025፣ (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዓወት ዓድዋ ኩልና ንኾርዐሉ ሓበራዊ ዓወት ኢዩ ክብሉ  ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቦም፡፡

መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ኣደባይ መስቀል እናተኸበረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ስነ-ነስርዓት ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ምክትል ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ጄኔራል ኣበባው ታደሰ፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም፡፡

ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ ስነ-ስርዓት÷ ዓወት ዓድዋ ብዙሓት ዝተገበረሉን ውፅኢት መስዋእቲ ብዙሓት ዜጋታትን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ብምዃኑ በዓል ዓወት ዓድዋ ኩልና ንኾርዐሉ ሓበራዊ ዓወት ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

“ኩርዓት ዓወት ዓድዋ ይትረፍ ንሕና ደቂ ሰራሕቲ ታሪኽ ወለዲ፤ ኣፍሪካውያንን ፀለምቲ ህዝቢታትን እውን ዝኾርዑሉ ኢዩ” ኢዩ ክብሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ መድረኽ ገሊፆም፡፡

ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ብብሄርን ሃይማኖትን እንተይተኸፋፈሉ፤ ብኢትዮጵያዊ ሓድነት ብሓባር ብምውፋሮም ንዘበናዊ ሓይሊ ባዕዳዊ ገዛእቲ ብፀለምቲ ዝተሰዓረሉ ዘበን ዘይስዕሮ ታሪኽ ከምዝኾነ ኣብሆም፡፡

ናይዚ ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ንደረጅኡ ብዝምጥን መልክዑ ንኽኽበር፥ እቲ መርሃ ግብሪ ንምስንዳእ ንሰራዊት ምክልኻል ሓላፍነት ዝተውሃበሉ ውሳነ ትኽክለኛን ኣቐዲሙ እውን ክኾን ዝነበሮ ውሳኔን ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ሰራዊት ምክልኻል ብመሰረት ዝተውሃቦ ሓላፍነት ድማ እቲ በዓል ብዝደመቐ መልክዑ ከምዘሰናደኦን ንዝቕፅሉ ዓመታት ብዝለዓለ ብርኪ ኣፍሪካውያን ኣሕዋት ብዘሳተፈ መልክዑ በዓል ኣፍሪካ ገይርና ንምኽባር ትልሚ ሒዝና ክንሰርሕ ኢና” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ብፌበን ቢሻው

#Ethiopia #Adwa #Victory

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment