በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ብድምቀት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 126 በዓል ዓወት ዓድዋ ቤጂንግ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ምስ ዝርከቡ ኣባላት ማሕረሰብ ዳያስፖራን ኣብታ ሃገር ትምህርቶም እናተኸታተሉ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮን ብዌቢናር ኸቢሩ።

ኣብቲ በዓል በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሾመ ቶጋ፥ “ኢትዮጵያ ነቲ ዓብዪ ዓወት ዘብቃዓ መላእ ኢትዮጵያውያን ፆታ፣ ብሄርን ሃይማኖትን እንተይፈላለዮም ሆ ኢሎም ብሓድነት ስለዝዘመቱ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ዓወት ዓድዋ ንምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ዓብዪ መነቓቕሒ ኮይኑ ዘገልገለን ካብ ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ፀለምቲ ህዝቢታት ብፍላይ ድማ ንኣፍሪካውያን ኩርዓት ዘጎናፀፈ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ናይዚ ዘመን ወለዶ ግቡእን ሓደራን ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን በቢዓውደኲናቱ መስዋእትነት ከፊሎም ዘፅንሑልና ሃገር ምሕላው ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ብራኸ ምዕባለ ምብፃሕ ኢዩ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ተወከልቲ ኣብ ቻይና ናይ ዝርከቡ ኣባላት ማሕረሰብ ዳያስፖራን ኣብታ ሃገር ትምህርቶም እናተኸታተሉ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮን ብግደኦም፥ ሓበራዊ ሃገራዊ ዛዕባ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ከም ዓድዋ ብምርድዳእን ሓደ ብምዃን ፀገማት ምፍታሕ ከምዘድሊ ምግላፆም እቲ ኤምባሲ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment