በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ከተማ ባህርዳር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ባህር ዳር፣ ጎንደር፣ ደሴን ወልዲያን ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ከተማ ባህርዳር÷ ሰላትን ተክቢራን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ይኽበር ኣሎ፡፡

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምኽባር ዓረፋ÷ ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ኣይተ ባዩህ ኣቡሃይን ምክትል ኣካቢ ጉዳያት እስልምና ከተማ ጎንደር ሃጂ ኣንዋር ቃሲምን ካልኦት ኣቦታት ሃይማኖትን ተረኺቦም፡፡

ኣብ ከተማታት ደሴን ወልድያን እውን ህዝበ ሙስሊም ብሓባር ብምትእኽኻብ ሰላት ብምስጋድን ብካልኦት ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታትን ብምክያድ እቲ በዓል እናኽበረ ይርከብ፡፡

በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ከተማታት ደብረ ብርሃንን ሚሴን እውን እናተኸበረ ይርከብ።

ብከድር መሓመድ

Comments (0)
Add Comment