በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ሃረር ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ከተማ ሃረር ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ከተማን ገፀርን ከተማታት ዝርከቡ ተኸተልቲ እቲ እምነት ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ሃረር ኣብ ዝርከብ ስታዲየም ኢማም ኣህመድ ብምትእኽኻ እቲ በዓል እናኽበሩ ይርከቡ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምኽበራ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኦርዲን በድሪ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ሱልጣን ኣብዱሰላም፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ክዝተረኸቡ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment