በዓል ዒድ-ኣልፈጥር ብዘይ ሓደጋ ብሰላም ንኽኽበር ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ተገይሩ – ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዒድ-ኣልፈጥር ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ብሰላም ንኽኽበር ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ንሓደጋ ዘቃልዑ ኣሰራርሓታት ብምሕባር ብዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ናይ ጥንቃቐ መልእኽቲታት እናመሓላለፈ ከምዝርከብ ገሊፁ፡፡

ብምዃኑ እቲ በዓል ካብ ሓደጋ ተሓሊዩ ንኽኽበር እናተመላለፉ ዝርከብ ናይ ጥንቃቐ መልኽታት ተግባራዊ ንኽግበሩ እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ንዘጋጥሙ ሃንደበታዊ ባርዕ ሓዊን ካልኦት ሓደጋታትን ከምኡ እውን ንግልጋሎት ኣንቡላንስ ብ939 ወይ ድማ 011-1-55-53-00፣ 011-1-56-86-01 ቁፅሪታት ብምድዋል ንኸፍልጡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment