በዓል ዋና ሙለር ሪል ስቴት ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ብገበን ግዕዚይና ክሲ ተመስሪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ልዕሊ በዓል ዋና ሙለር ሪል ስቴት ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ብገበን ግዕዚይና ክሲ መስሪቱ።

ላዕላዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ብመጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣብ ዝተውሃቦ ክሲ መመስረቲ ሓሙሽተ መዓልታት ውሽጢ ክሲ ከምዝመስረተ ነቲ መጋባእያ ኣረዲኡ።

እቲ ክሲ ኣብ ስሩዕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ ምድብ ሓምሻይ መጋባእያ ግዕዚይና ብመዝገብ ቁፅሪ 266478 ክሲ ከምዝተመስረተ ገሊፁ።

ጠበቓታት ኣይተ ሙሉጌታ እቲ ክሲ ንምርኣይ ብዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ኣብቲ ችሎት እቲ ክሲ ዝረኣዩ እንትኾኑ፥ እቲ ክሲ ስለዘይበፅሖም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኸፈተ መዝገብ ንክረኣየሎም ነቲ መጋባእያ ሓቲቶም።

እቲ መጋባእያ ብመሰረት ዘቕረብዎ ሕቶ ኣብ ስሩዕ ክሲ ንክረኣየሎም ኣዚዙ።

ይኹን እንበር ኣብ ስሩዕ መጋባእያ ዳያኑ ኣብ ኣኼባ ምዃኖም ስዒቡ ሰኑይ ኣብ ዝካየድ ስሩዕ መጋባእያ ጉዳዮም ንምርኣይ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ኣይተ ሙሉጌታ፥ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ብዘይኣግባብ 50 ሺህ ካሬ ሜትር መሬት ብምውሳድ ከምኡውን ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ድማ 11 ሺህ ካሬ ሜትር ናይ መሬት ወረራ ብምግባር ብዝብል ክልተ ክሲ ግዕዚይና ኢዩ ተመስሪቱሎም።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment