በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ትግራይ ደው ኢሉ ዝነበረ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ደው ኢሉ ዝፀንሐ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክኢላ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ኣባዲ ደስታ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዑል ጉድኣት ካብ ዘጋጠሞም ዓውዲታት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ምንቅስቓስ ቱሪዝም እቲ ክልል ሙሉእ ብሙሉእ ደው ኢሉ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።

ኣይተ ኣባዲ፥ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ታሪኻዊን ጥንታዊን ሓድጊታት፣ ባህላዊን ሃይማኖታዊን መስሕባት ቱሪዝም ከምኡ እውን መሰረተ ልምዓታት ቱሪዝም በቲ ኲናት በሰላ ከምዝበፅሖም ኣብሪሆም።

“ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጎንፂ ብውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ መዕለቢ ምስረኸበ እውን እንተኾነ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝነጥፉ ኣካላት ተበታቲኖም ስለዝነበሩ ብዙሕ ምንቅስቓስ እናተገበረ ኣይፀንሐን” ኢሎም።

ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን፥ ደው ኢሉ ዝነበረ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ዳግም ንምልዕዓል ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላትን ሚዲያታትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዕሊ ንምጅማር ምድላው ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ካብ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ዝኽበር ቅንያት በዓል ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒዋሪን ምኽንያት ብምግባር ተቛሪፁ ዝነበረ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣይተ ኣባዲ ገሊፆም።

በዓል ኣሸንዳ እውን ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ኣደባባይ ብነፃነት ምኽባር ጠጠው ኢሉ ከምዝነበረን ከምዝተሃሰየን ዝገለፁ እቶም ክኢላ ርክብ ህዝቢ፥ ኣብዚ ዓመት ብዝተወሰነ መልክዑ ንምብዓል ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ በዓል “ኣሸንዳ ንሰላም፣ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ መደባት ከምዝኽበር ድማ ሓቢሮም።

በዓል ኣሸንዳ ብፍላይ ኣብ መቐለ፣ ተምቤንን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ብድምቀት ከምዝኽበር ብምግላፅ÷ በዓል ዓይኒ ዋሪ ድማ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዝተፈላለዩ መደባት ካብ 24 ነሓሰ ጀሚሩ ክኽበር ኢዩ ኢሎም።

በዓል ኣሸንዳ፣ ማሪያን ዓይኒ ዋሪን፥ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብሪታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ብፍላይ ኣዋልድ ብናፅነት ከምዘኽብረኦ፣ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ትግራይ ዳግም ኣብ ዝለዓዓሉ ጉዳይን ተጀሚሩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ተጠናኺሩ ኣብ ዝቕፅለሉ ኩነታትን ዝጠመቱ መድረኻት ዘተ ከምዝካየዱ ኣይተ ኣባዲ ደስታ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን፥ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለመዳይ በሰላ ንምሕዋይን ምንቅስቓሱ ተቛሪፁ ዝነበረ ቱሪዝም ንምልዕዓልን ዝከኣሎም ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ከምኡ እውን በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ናብ ትግራይ ንኽመፅኡ ተላቢዮም።

ተረኺቡ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ተጠናኺ ንኽቕፅልን ምንቅስቓስ ቱሪዝም ትግራይ ዳግም ንኽጅምርን መንግስቲ ፌዴራል ሓዊሱ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓገዝ ንክገብሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment