በዓል ኢሬቻ ክብሪታቱ ሓሊዩ ብሰላም ንኽኽበር ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ክብሪታቱ ሓሊዩ ብሰላም ንኽኽበር ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ክረምቲ ብሰላም ብምዝዛሙ ኩሉ ነገር ንዝፈጠረ ኣምላኽ ምስጋና ዘቕርበሉን መፃኢ ዘበን ሰናይ ንኽኸውን ፈጣሪ ዝልምነሉ በዓል ኢዩ ኢሎም፡፡

ኢሬቻ በዓል ምስጋና፣ ሓድነት፣ ሕውነት፣ ይቕሬታን ብሩህ ተስፋን ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

እቲ በዓል ክብሪታቱ ሓሊዩ ብሰላም ንኽኽበርር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ቢሾፍቱ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ኣባገዳታት ብዘቐመጡዎ ኣንፈት መሰረት ክውገን ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ኮሙኒኬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዕዱማት እቲ በዓል ነቲ በዓል ዘይገልፁ ኣርማታት ምሓዝ ከምዘይብሎም ኣተሓሳሲቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment