በዓል ኢሬቻ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 21 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኽበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 21 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ከምዝኽበር ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ።

እቲ በዓል ሎሚ መዓልቲ ኣብ መላእ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፓነል ምይይጥን ዓውደ ምርኢትን ከምዝተኸፈተ ተሓቢሩ፡፡

ፅባሕ ብብርኪ ክፍለ ከተማ ፓነል ምይይጥ ዝካየድ እንትኸውን÷ 20 መስከረም 2015 ዓ.ም ብብርኪ ማእኸል ምስ ክልል ኦሮሚያ ብምውዳድ መጠቓለሊ መድረኽ ዘተ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

መስከረም 2015 ዓ.ም ድማ ኣብ ሆራ ፊንፊኔ ብኣባ ገዳታት ጥራሕ እናተመርሐ ዝካየድ ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ከምዝኽበር ምግላፁ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም http://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment