በዓል ኢሬቻ ኣብ ሆራ ፊንፊኔ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም 2013፣ (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ።
ኣብቲ በዓል ኣባገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተረኺቦም።
በዓል ኢሬቻ ናይ ምስጋና፣ ፍቕሪ፣ ሰላም፣ ዕርቅን ይቕሬታን በዓል ኢዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ኢሬቻ ምኽኒያት ብምግባር ትማሊ ናይ እንኳዕ ኣበፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኢዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ኢሬቻ ናይ ምስጋናን ተስፋን በዓል ኢዩ ኢሎም።
ብመሰረት ባህሊ ህዝቢ ኦሮሞ እኽበር እቲ በዓል፥ ዝናብ፣ ሰላም፣ እቶትን ቀፃልነት ትውልዲን ንዝህብ ፈጣሪ(ዋቃ) ንምምስጋን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም ኢዮም።
ሎሚ ዘበን ንመበል ካልኣይ ግዘ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር ዘሎ በዓል ኢሬቻ፥ ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ሒደት ሰባት ብዝተረኸብሉ ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።
በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ፅባሕ ድማ በዓል ኢሬቻ ሆራ ኣርሰዲ ብዝብል ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኢዩ ዝኽበር።
በዓል ኢሬቻ በቢዓመቱ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ሰባት ኣብዝተረኸቡሉ እናተኸበረ ዝፀንሓ ኢዩ።
ይኹን እንበር ኣብ ዚ ዓመት ብዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ግምት ብምእታው ዝኽበር እንትኸውን፥ ኣብ በዓል ኢሬቻ ዝሳተፉ ሰባት ቁፅሮም ሰብ ሞያታት ጥዕና ብዝህቡዎ ምኽሪ መሰረት ተግባራዊ ዝኸውን ኢዩ።
ከም ኣገላልፃ ኣባገዳታት፥ በዓል ዋና ስርዓት ገዳ ዝኾነ ህዝቢ ኦሮሞ እቲ በዓል ሕማም ቫይረስኮሮና ኣብ ግምት ብምእታው ከኽብሮ ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ምቕራቦም ኢዮም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment