በዓል ኢሬቻ ብሰላም ንኅኽበር ምድላው ተዛዚሙ – ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኽር በዓል ኢሬቻ ብሰላም ንኽኽበር ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ናብ ስራሕ ምእታዉ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ እቲ በዓል ብሰላም ንኽኽበር ምስ ሰራዊት ምክልኻል፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት ድሕንነት ሓበሬታ፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ኦሮሚያን፣ ምስ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን ጉዳዩ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተውፃእፀአ ፍሉይ ኮሚቴ ተወዲቡ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተገሊፁ፡፡

በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታት፣ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ፅባሕ 22 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር ኢዩ፡፡

እቲ በዓል ብሰላም ንኽኽበር ኩሎም ኣካላት ፀፅታ ምድላዎም ዛዚሞም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ፖሊስ ንምርካብ ይኹን ዘጠራጥር ነገረ እንተጋጥሙዎ ሓበሬታ ንመሃብ ናብ ስልኪ መስመራት 991 ወይ እውን 816 ከምኡ እውን 01- 11 -11- 01 -11፣ 01- 11- 26- 43- 59፣ 01- 11- 01- 02- 97፣ ብምጣቃም ሓበሬታ ምሃብ ከምዝከኣል ኣፍሊጡ፡፡

ህዝቢ ንዕዉትነት ስራሕቲ ፀፅታ እናገበሮ ዝርከብ ምትሕብባር ምስጋና ዘቕረበ እቲ ኮሚሽን፥ እቲ በዓል ናይ ሰላምን ሓጎስን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment