በዓል ኢሬቻ ባህላዊ ክብሪታቱ ሓሊዩ ንኽኽበር ምድላው ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ኦሮሞ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ብድነት ወፂኡ ንፈጣሪኡ ምስጋና ዘቕርበሉ በዓል ኢሬቻ ባህላዊ ክብሪታቱ ሓሊዩ ንኽኽበር ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሓለዋ ሓድጊን መፅናዕቲን እቲ ቢሮ ኣይተ ስንታየሁ ቶላ፥ በዓል ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ብሓድነት ወፂኡ ንፈጣሪ ምስጋና ዘቕርበሉ በዓል ሰላምን ፍቕሪን ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ህዝባዊ በዓል ግቡእ ካብ ዘይኮኑ ምንቅስቓሳት ኣብ ምክልኻል ባህላዊ ክብሪታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ንኽኽበር ኩሉ ኣካል ብፅሒቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን ፀዊዖም።

ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምትሕብባር ብዝተገበረ ፃዕሪ ብፍላይ ካብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ጀሚሩ በዓል ኢሬቻ ዘለዎ ርድኢት እናዓበየ ምምፅኡ እቶም በዓል ሞያ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment