በዓል ኢሬቻ መልካ ኣቴቴ ኣብ ከተማ ቡራዩ ሎሚ መኣልቲ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ መልካ ኣቴቴ ኣብ ከተማ ቡራዩ ሎሚ መኣልቲ ተኸቢሩ።

በዓል ኢሬቻ መልካ ኣቴቴ ካብ ሆራ ፊንፊኔን ሆራ ኣርሰዲን ቀፂሉ ኣብ ከተማ ቡራዩ ዝኽበር በዓል እዩ።

በዓል ኢሬቻ መልካ ኣቴቴ ነበርቲ ቡራዩን ከባቢኣን፤ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ እዛ ሃገር ዝተኣኻኸቡን፣ ኣቦታት ጋሞ ኣብ ዝተረኸብሉን እዩ ተኸቢሩ።

በዓል ኢሬቻ መልካ ኣቴቴ ብዝተፈለየ መልክዕ ደቂ ኣንስትዮ ዘኽብርኦ በዓል እንትኸውን፥ ደቂ ተባዕትዮ እውን ይዕደሙሉ እዮም።

ባህላዊ ፀጋታቱ ሓልዩ እናተኸበረ ዝርከብ በዓል ኢሬቻ መልካ ኣቴቴ ሃደ ሲንቄታት፣ ኣባ ገዳታትን ኣቦታት ዓዲን ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ምዕዳሞም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment