በዓል ኢሬቻ ሕውነት ብሄር ብሄረሰባት ዝተረጋገፀሉ ኢዩ – ኣይተ ከበደ ዴሲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ሕውነት ብሄር ብሄረሰባት ዝተረጋገፀሉ በዓል ከምዝኾነ ኣካቢ ኮሚቴ ምኽባር በዓል ኢሬቻ ኣይተ ከበደ ዴሲሳ ገሊፆም።

ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስንቂ ብምቕባልን እቲ በዓል ብሰላም ንኽዛዘም፣ ኣኽሪ እቲ በዓል ህዝቢ ኦሮሞ ይኹን ካልኦት ዕዱማት ብሄር ብሄረሰባት ባህላዊ ክብሩ ብዝሓለወ መልክዑ ኣኺቢሮም ኢሎም፡፡

እቲ በዓል ሰላማዊ ብዝኾነ መልክዑ ንኽኽር ተሳተፍቲ እቲ በዓል ኣስተዋፅኦ ከምዝነበሮም ዝገለፁ እቶም ኣካቢ፥ ኣካላት ፀፅታ ይኹኑ በቢብርኩ ዝርከቡ ትካላት መንግስቲ ተዋዲዶም ብዝሰርሑዎ ስራሕ ብሰላም ከምዛዘመ ኣብሪሆም።

ኣይተ ከበደ፥ ፅባሕ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ሆራ ኣርሰዴ ኣመልኪቶም እውን መግለፂ ሂቦም።

እቲ በዓል መግለፂ ክብሪ ህዝቢ ኦሮሞን ኢትዮጵያውያንን ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣካቢ፥ ኣከባብራ እቲ በዓል ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን ኣብ ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ንምምዝጋብ ዝበረታታዕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም፡፡

እቲ ባህሊ ብዝበለፀ ንምፍላጥ ኩሉ ብፅሒቱ ንኽዋፃእ ኣገንዚቦም፡፡

ብጉጅለ ጋየጠኛታት ፋና

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment