በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብሰላም ከምዝተኸበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብሰላም ከምዝተኸበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል ብሰላም ንክኽበር ግደኦም ዝተዋፅኡ ኣካላት ኩሎም አመስጊኑ።

ኣባ ገዳታት ፣ ሃደ ሲንቄታት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣጋይሽ፣በፃሕቲ ዓዲ ናይ 2015 ሆረ ፊንፊነ  ኢሬቻ በዓል ብሰላምን ብፍሉይ ድምቀትን ምኽባሩ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ኣካላት ፀፅታ ንተግባራት ምክልኻልን ምርመራን ገበንን ሓደጋ ትራፊክን ጠመተ ሂቡ ኣባላትን ኣመራርሓን ብምምዳብ ብዝፈፀመ ተግባራት እቲ በዓል ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓቢሩ።

ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣተሓባበርቲ እቲ በዓል፣ ኣካላት ምምሕዳር እቲ በዓል ንምኽባር ዝመፅኡ ኣጋይሽ ብሕውነት መንፈስ ከምዘተኣናገዱ ሓቢሩ።

መላእ ኣካላት ሓላፍነቶም ብብቕዓት ምውፅኦም እቲ በዓል ብፍፁም ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ንክኽበር ከምዘኽኣለ ገሊፁ።

እቲ በዓል ብሰላም ምኽባሩ ፅቡቕ ገፅታ እታ ከተማ ንምህናፅ እውን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እቲ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ፡፡

እቲ በዓል ናይ ሰላምን ደስታን ንክኾን ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ሰናይ ትምኒቱ እናገለፀ 22 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ቢሾፍቱ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ሆራ ኣርሰዲ ብተመሳሳሊ ብሰላም ንክኽበር ህብረተሰ ንኣካላት ፀጥታ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒቱ ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment