በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብሰላም ተዛዚሙ – ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መስከረም ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸበረ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ዕዱማት ዝተሳተፉሉ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ስርዓት ገዳ ብዝሓለወ መልክዑ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ከባታት ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ዝመፅኡ ኣጋይን ቱሪስታትን ዝተሳተፉሉ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ 2016 ዓ.ም÷ ብሰላምን ብፍሉይ ድምቀትን ምኽባሩ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ፡፡

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን÷ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብሰላም ንኽኽበር ብፅሒቶም ንዝተዋፅኡ መላእ ህዝቢ ኦሮሞ፣ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን፣ መላእ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ንኣባ ገዳታትን ሃደ ሲንቄታትን ኦሮሞ፣ ንኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ በዓልን መናእሰይን ከምኡ እውን ንኣካላት ፀፅታ ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

“እቲ በዓል ብሰላም ምኽባሩ ፅቡቕ ምስሊ ሃገርና ንምህናፅ ልዑል ረብሓ ኣለዎ” ዝበለ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ÷ እቲ በዓል ፍፁም ሰላማዊ ብዝኾነ መልክዑ ንኽኽበር ብፅሒቶም ንዝተዋፅኡ ኣካላት ከምኡ እውን ዳኻሞም ተፃዊሮም ሓላፍነቶም ብትግሃት ንዝተዋፅኡ ኣመራርሓታት ትካላት ፀፅታ ኣመስጊኑ።

ፅባሕ 27 መስከረም 2016 ዓ.ም ኣብ ቢሾፍቱ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ሆራ ኣርሰዲ ብተመሳሳሊ ብሰላም ንኽኽበር ሕብረተሰብ ንኣካላት ፀፅታ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment