በዓል ኢሬቻ “ሆረ ሃርሰዴ” ንምኽባር ተሳተፍቲ እቲ በዓል ይሰናድኡ አለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ “ሆረ ሃርሰዴ” ንምኽባር ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ኣቐዲሞም ኣብ መኽበሪ ቦታ ብምኻድ ምጅማር እቲ በዓል ይፅበዩ አለዉ።
ሙሉእ ለይቲ ኣብ ጎደናታት ከተማ ቢሾፍቱ ህብረ ዝማሬ እናስምዑ ዝሓደሩ መናእሰይ ሕዚ እውን ዜማ ምስጋና እናስምዑ ይርከቡ።
ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከባ ሆቴላትን ዝተፈላለያ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላትን ኣገልግሎት እናሃባ ከምዝሓደራ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዝገበሮ ትዕዝብቲ ክፈልጥ ክኢሉ፡፡
ብኣፈወርቅ እያዩ
ምስሊ ብኣብርሃም ፈቀደ
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment