በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ኣካላት ፀፅታን መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዞባ ደቡብ ወሎ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ኣካላት ፀፅታን መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ኣካይዱ።

ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ኣብዲ ሰይድ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ንሰራዊት ምክልኻል፣ ንፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ካብ ትግራይ ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ከምኡ እውን ካብ ክልል ኦሮሚያ ተመዛቢሎም ንዝመፅ ዜጋታት ስነስርዓት ምክፋል መዓርግ ተኻይዱ፡፡

ኣይተ ኣብዲ ከምዝበሉዎ፥ እዋኑ ምትሕግጋዝ ዝሓትት ስለዝኾነ ኩሉ ኣዓቕሙ ክገብር ይግባእ፡፡

እቲ ምክፋል መኣዲ ኣብ ከተማ ሃይቂ መዓስከር ጃሪ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብ ስራሕ ንዝርከቡ ኣካላት ፀፅታ ድማ ናብ ዘለዉዎ ክበፅሕ ተገይሩ፡፡

ብከድር መሓመድ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment