በዓል ትንሳኤ ምንቅስቓሳትና ገዲብና እነኽብሮ ክኸውን ኣለዎ – ዶ/ር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰባት በዓል ትንሳኤ እንተኽብ ምንቅስቓሳቶም ገዲዲቦም ከኽብሩዎ ከምዝግባእ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ኣብ መልእኽተን ድማ “እቲ በዓል ሕድሕድና መኣዲ ንቋደሰሉ፣ ፍቕሪናን ምትሕስሳብናን ንገልፀሉ ዋላ ይኹን እምበር፤ ኣብ ዝሕዚ እዋን ከምቲ ልሙድ ጉረቤት፣ ዘመድን ኣዝማድን ተፀዋዊዕና ነኽብሮ ዘይኮነስ ምስ ስድራቤትና ጥራሕ ኮይና እነኽብሮ በዓል ክኸውን ይግባእ” ኢለን።

“ፍቕርና ሕድሕድና ጥንቃቐ ብምግባር ክንገልፅ ኣለና” ክብላ እውን ኣተሓሳሲበን።

ናብ ከባቢታት ዕዳጋ እንትኽየድ ድማ ኣካላዊ ርሕቐት ብምሕላውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምጥቃም ክኸውን ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ሕርዲ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ ዝበላ ዶክተር ሊያ፥ ምግቢ ኣብሲልካ ምምጋብ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር፥ ስግዓት ዓለም ዝኾነ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኮይኖም ብስራሕ ዘሕልፉ ሰብ ሞያታት ሕክምናን ካልኦትን የበርክትዎ ንዘለዉ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment