በዓል ስቕለት ብተኸተልቲ እምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ስቕለተ ኢየሱስ ክርስቶስ ብተኸተልቲ እምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተኸቢሩ።

እቲ በዓል ኣብ ካቴድራል ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ልደታ ማሪያም ብዙሓት ተኸተልቲ እቲ እምነት ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ተኸቢሩ።

ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል ኣብቲ ስነ-ስርዓት ብምርካብ ኣብ ዘመሓላፉዎ መልእኽቲ÷ ስቅለተ ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ ሰባት ካብ ሓቲያት ንምድሓን ክብል ኣብ መስቀል ዝተሰቐለሉ ፍፃመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ናይዚ መለኮታዊ መልእኽቲ ኣርኣያኡ ካብ ርእስኻ ሓሊፍካ ንደቂ ሰባት ዋጋ ምኽፋልን ዋና መርአዪ ሰናይ ተግባርን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“በዓል ትንሳኤ እውን ብሓፈሻ ናይ ምክፋልን ምርድዳእን ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ እቲ በዓል ሕድሕድ ብምትሕስሳብ፣ ብምድጋጋፍ፣ ፅቡቕ ብምሕሳብን ብምግባርን ክነኽብሮ ይግባእ” ኢሎም።

ኣብ ካቴድራል ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ልደታ ማሪያም በዓል ስቕለት ዘኽበሩ ተኸተልቲ እቲ እምነት ብግደኦም÷ ስቕለት ሓደ ንካሊእ ዋጋ ምኽፋል ዘምህር ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment