በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ሰኑይ ጀሚሩ ፍቓድ ምሃብ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ሰኑይ 4 ለካቲት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ፍቓድ ምሃብ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ብሩክ ታዬ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ትካል ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ንባዕሉ ኣብምውዳብ ማዕቐፍ ሕጊ እናሰናደአ ምፅንሑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ወሃብቲ ግልጋሎት ካፒታል ዕዳጋ ኣወሃህባ ፍቓድን መምርሒ ቁፅፅርን ብንስንዳእ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ገሊፆም፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ኣካላት ካብ ዝቕፅል ሰኑይ ጀሚሮም ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ በዓል መዚ 15 ሓደሽቲ ፈቓዳት ምሃብ ከምዝጅምር እውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ንኢንቨስትመንት ፍቓድ ባንኪ ምሃብ ከምዝጅመር ብምሕባር÷ 5 ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣብዚ ማዕቐፍ ንምክታት ምድላው ከምዝገበሩ ገሊፆም፡፡

ሰለስተ ዓበይቲ ባንኪታት ኢንቨስትመንት ወፃኢ ክሰርሑ ዝኽእሉሉ ኩነታት ሕቶ ብምቕራብ ምላሽ ከምዝተውሃቦም ኣብሪሆም፡፡

ባንኪታት ኢንቨስትመንት ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታዎም እቲ ዕዳጋ ዓብዪ ለውጢ ከምዘምፅእ ኣገንዚቦም።

ብዘመን በየነ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment