በዓል መዚ ብሮድካስት ኣብ ጉዳይ ድልድል ኣየር ሰዓት ኣመልኪቱ ምስ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያን ብሄራዊ ቦርድ መረፃን ምዝገባ ሕፁያት ስዒቡ ንፓቲታት ፖለቲካ ዝወሃብ ድልድል ኣየር ሰዓትከይዲ ከይዲ ድልድል ዝምልከት ልዝብ ኣካይዶም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ እቲ በዓል መዚ ንድልድል ኣየር ሰዓትን ጋዜጣን ዝሰርሖም መሰረታዊ ስራሕቲ ኣውቶሜሽን ከምኡ እውን ዝተረፉ ከይዲታት ንቦርድ መረፃ ኣቕሪቡ።

ኣካቢት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ንድልድል ኣየር ሰዓትን ጋዜጣን ዝተዳለወ ሶፍትዌር መውፅኢ ዕፃ ዝገምገማ እንትኾና፥ ስርሑ ብቕልጡፍ ንኽዛዘም ኣድለይቲ ዝኾኑ ሓበሬታታት ኣብ ቀረባ እዋን ተዋዲዶም ናብቲ በዓል መዚ ከምዝለኣኹ ገሊፀን።

እቲ በዓል መዚ እውን ንድልድል ዝኾኑ መሰረታዊ እታወታት ተማሊኦም እንትቐርቡ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ስርሑ ከምዝዛዘም ምግላፁ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment